ኅዳር 16 ፣ 2014

ኣይፋል፡ እዚ ስእሊ ላሊቤላ ብሓይልታት መንግስቲ ኸም እተትሓዘት ኣይሕብርን

HAQCHECK

ኹን እምበር

Avatar: Hagos Gebreamlak
ሓጎስ ገብረኣምላኽ

A fact-checker at HaqCheck, he has worked for Fortune as a reporter previously.

ርሆቦት አያሌው

Rehobot is a lead fact-checker at HaqCheck. She is a trainer and a professional who works in fact-checking and media literacy.

ኣይፋል፡ እዚ ስእሊ ላሊቤላ ብሓይልታት መንግስቲ ኸም እተትሓዘት ኣይሕብርን

ካብ 23 2021 ሕዳር ኣትሒዙ ሓይልታት መንግስቲ ንላሊበላ ኸም ብሓድሽ ከም እተቆፃፀሩዋ ዚገልፁ ብምስሊ ዝተደገፉ ሓበሬታታት ኣቓልቦና ስሒቦም እዩ። ገለ ኻብቶም ሓበሬታታት በቲ ዩኒፎርም ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ እተኸድነ ወተሃደር ኣብ ጥቓ ሓንቲ ኻብተን ህቡባት ኣብያተ-ክርስትያን ላሊቤላ 'ቤተ ጊዮርጊስ' ኮፍ ኢሉ ዘሎ ስእሊ እተደገፈ ኢዩ።

ይኹን እምበር ሓቂቼክ ነቲ ምስሊ ብምምርማር እቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ሓይልታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዞም ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብንጥፈት ይዋግኡ ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021 ፈደራላዊ መንግስቲ ኻብቲ ግዝያዊ መንግስቲ ሕቶ ምስ ቀረበሉ ሃንደበታዊ በይናዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ተበግሶ ወሲዱ ንወተሃደራቱ ድማ ካብ ትግራይ ኣውፂኡ እዩ።

ድሕሪኡ ሓይልታት ህወሓት ንደቡብ ጎፆም ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክግስግሱ ፀኒሖም እዮም። ብ5 ነሓሰ 2021 ኸኣ ሓይልታት ህወሓት ንላሊበላ ሒዞምዋ

ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዛዕባ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ዚገልፁ ፀብፃባት ይወፁ ኣለዉ። ብ22 ሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ነቲ ምስ ሓይልታት ህወሓት ዝግበር ዘሎ ውግእ ኣብቲ ግንባራት ዓውደ ውግእ ኮይኑ ከምዝመርሖ ኣፍሊጡ እዩ።

ደድሕሪ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ውግእ ብቐጥታ ኻብ ግንባር ከም ዝመርሖ እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝመርሖም ሓይልታትን ዓወት ይጎናፀፉ ከምዘለዉ ዝገልፁ ሓበሬታታት ክበዝሑ ጀሚሮም። እዛ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ኸኣ ኣብዚ ህሞት’ዚ እያ ተሓቲማ።

ይኹን እምበር ሓቂቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ተሓቲሙ ዘሎ ምስሊ ናይ ቀደም ምዃኑ ኽፈልጥ ክኢሉ ኢዩ። እዚ ስእሊ እዚ ኣቐዲሙ ብ29 ሚያዝያ 2020 ኣብ ፌስቡክ ዝተሓትመ እንትኸውን ኣብቲ ሕታም ዘሎ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዝተፅሓፈ መግለጺ ናይቲ ምስሊ ኣብያተ:መቕደስ ቅዱስ ላሊበላ ብፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣምሓራ ፅዑቕ ሓለዋ ይግበረሎም ከምዝነበረ እዩ ዝሕብር።

ፈላማይ ምስሊ

ብዘይካ’ዚ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽሳዕ እትሕተም ካብ ክልቲኡ ሸነኽ ብዛዕባ ምቍጽጻር እታ ኸተማ ወግዓዊ ሓበሬታ ኸም ዘይተነግረ ተፈሊጡ ኣሎ። ካብ ሰበ-ስልጣን ንምርግጋፅ እንገብሮ ፃዕሪ ኽንቅጽል ኢና። ሓበሬታ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ከኣ ከነፍልጥ ኢና።

ሓይልታት መንግስቲ ንኸተማ ላሊበላ ኸም ዝሓዝዋ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቤላቤሎ ወይ ሓሜታት እኳ ኣለዉ እንተዀኑ ሓቂቼክ ግን እቲ ምስሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ኸም ዘይድግፎ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሃሶት ኢልዎ ኣሎ።

አስተያየት