ታህሣሥ 1 ፣ 2014

ሓሶት፡ እዚ ምስሊ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተማረኹ ወታደራት መንግስቲ ኣየርእን

HAQCHECK

ሓቂቼክ ነቲምስሊ ብምምርማር እቲ ጥቃዕ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

Avatar: Hagos Gebreamlak
ሓጎስ ገብረኣምላኽ

A fact-checker at HaqCheck, he has worked for Fortune as a reporter previously.

ርሆቦት አያሌው

Rehobot is a lead fact-checker at HaqCheck. She is a trainer and a professional who works in fact-checking and media literacy.

ሓሶት፡ እዚ ምስሊ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተማረኹ ወታደራት መንግስቲ ኣየርእን

ካብ 75 ሽሕ ንላዕሊ ሰዓብቲ ዘለዎ ናይ ፌስቡክ ገፅ ብዕለት 19 ሕዳር 2014 ዓ.ም “ትማሊ ኣብ ዓፋር ግንባር ካሳጊታ ዝተትሓዙ ኣባላት [ወታደራት] ብልጽግና ፓርቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓደ ስእሊ ሓቲሙ ኔሩ።  ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕፍ ካብ 800 ንላዕሊ ግብረመልሲ  ረኺቡ ነይሩ።

ብተወሳኺ’ውን እቲ ስእሊ ኣብ ካልኦት ማሕበራዊ መራኽቦ ተጠቂዑ ነይሩ እዩ።ስለዝዀነ’ውን ሓቂቼክ ነቲምስሊ ብምምርማር እቲ ጥቃዕ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካብ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ወታደራዊ ጎንፂ ይርከቡ።  ኣብ መወዳእታ ሰነ 2013 ፌደራላዊ መንግስቲ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ኽልል ትግራይ ብዝቐረበሉ ሕቶ ሃንደበታዊ በይናዊ ቶዂሲ ደይ ናይ ምባል ተበግሶ ወሲዱ ወታደራቱ ካብ መብዛሕትኡ ኸባቢታት ስሒቡ እዩ።

ቀፂሉ ድማ  ሓይሊታት ህወሓት ናብ ኽልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወታደራዊ መጥቃእቲ ገይሮም እዮም።። ብ29 ሓምለ 2013 ውን ነታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜናዊ ወሎ ተደኲና እትርከብ ከተማ ላሊበላ ተቖፃፂሮም ምንባሮም ይፍለጥ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምርሑ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ህወሓት ሓዱሽ መጥቃዕቲምኽፋቶም ፀብፃባት ገሊፆም ነይሮም። ምስዚ ተዛሚዱ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ነቲ ኲናት ካብ ሜዳ ንምምራሕ ናብ ግንባር ከምዝኸትት ብ22 ሕዳር 2014 ኣፍሊጡ ኔሩ።

ድሕሪ’ዚ ሓይሊታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኽልል ዓፋር እትርኸብ ንእሽቶ ኸተማ ካሳጊታ ምትሓዞምን ናብ ቡርቃን ባቲን ዝተብሃላ ቦታታት እናተፀግዑ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ ነይሩ። ግናኸ ሓቂቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስሊ ቅድሚ ሕጂ ትግራይ ፕረስ ኣብ ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ ገፅ ብ29 ሓምለ 2013 ተሓቲሙ ከምዝነበረ ኣረጋጊፁ እዩ።ስለዝዀነ’ውን እቲ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ስለዘየረጋግፅ ሓቂቼክ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

አስተያየት