ጥቅምት 4 ፣ 2014

ሓሶት፡ እዚ ስእልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ድሮናት ውግእ ከምዝተዓጥቀ ኣይሕብርን እዩ።

HAQCHECK

እምበር እቲ ሕታም ኣብ ትሕዝቶኡን ኣጠቓቕማ ናይቲ ምስሊታትን ግጉይ ስለዝዀነ ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

Avatar: Hagos Gebreamlak
ሓጎስ ገብረኣምላኽ

A fact-checker at HaqCheck, he has worked for Fortune as a reporter previously.

ርሆቦት አያሌው

Rehobot is a lead fact-checker at HaqCheck. She is a trainer and a professional who works in fact-checking and media literacy.

ሓሶት፡ እዚ ስእልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ድሮናት ውግእ ከምዝተዓጥቀ ኣይሕብርን እዩ።

ብ7 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ፌስቡክ ዝተጠቀዐ ሕታም ሃገራዊ ሓይሊታት ምክልኻል ኢትዮጵያ "VTOL ድሮናት" ዚብሃላ ሓደስቲ ነፈርቲ ኸም እተዓጥቀ ሓቢሩ ኔሩ። እቲ ልዕሊ 69,000 ሰዓብቲ ዘለውዎ ገፅ እተን ነፈርቲ ኻብ ራዳር ሞርታር ኪትኵሳ ኸም ዚኽእላን፤ ኣንፈትን መጥቃዕትን ፀላኢ ንኺግንዘባ ዜኽእል ዘደንቕ ቴክኖሎጂ ኸም ዘለወንን ይገልፅ።

ይኹን እምበር እቲ ሕታም ኣብ ትሕዝቶኡን ኣጠቓቕማ ናይቲ ምስሊታትን ግጉይ ስለዝዀነ ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንፂ ሰብ፡ኣልቦ ነፈርቲ ውግእ ኸም እተጠቕመ ኣፍልጦ ሂቡ እዩ። እዚ ድማ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ወታደራዊ ነፈርቲ ኸምዘለዎ ዘመላኽት እዩ። ኣብዚ ቀረባ’ውን እቲ ሓይሊ ኣየር ሰብ፡አልቦ ነፈርቲ ውግእ ኢራን ኸምእተዓጥቀ ሓሜታት ነይሮም እዮም።

ድሮን VTOL እንታይ እዩ?

ቪቶል (VTOL) ማለት ብቋንቋ ኢንግሊሽ ንትኹል ምንፋርን ምውራድን እዩ። ነፈርትን ሰብ፡ኣልቦ ነፈርትን (UAV) ከም ሄሊኮፕተር ንትኹል ኪነፍራን ንትኹል ኪዓልባን ከለዋ ማለት እዩ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ልሙድ ዝዀና ዓይነት ድሮናት VTOL ማልቲኮፕተር ይበሃላ።

ማልቲኮፕተር ድሮናት ማለት ንምብራረን ቀለልቲ ዝዀና፤ ምንቅስቓሰን ድማ ኣሃዱታት ሞተረን ብውሳኽ ወይ ብምንካይ ምቁፅፃር ዝከኣላ ሰብ፡ኣልቦ ነፈርቲ እየን።

እዘን ድሮናት ኣብ ኢንዱስትሪ ዕደና፣ ህንጸት፣ ዘይቲን ነዳድን መፅናዕቲ ካርታን ድሕንነትን ከምኡውን ኣብ ፀጥታን ምክልኻልን የገልግላ እየን። በተን ነፈርቲ ዓበይቲ ኸባቢታት ምስኣል፣ ጂኦግራፍያዊ ሓበሬታ ምሓዝ ከምኡውን ብነፋሪት ምቍጽጻር ይከኣል። ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ እዘን ነፈርቲ ንብዙሕ ዕላማታት ክውዕላ ይኽእላ እየን።

ስለዚ ነዚ መግለጺ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው እዘን ዓይነታት ድሮን ከምቲ ኣብቲ ሕታም ዝተሓበረ ካብ ራዳር ሞርታር ክትኩሳ ዝኽእላ ወታደራውያን ነፈርቲ ከምዘይኰና ምፍላጥ ይከኣል እዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሓቂቸክ ነቲ ሓበሬታ ንምድጋፍ ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ዝተጠቅዑ ሰለስተ ስእልታት መርሚሩ እዩ። እቶም ስእልታት ንፈለማ ግዜ ብ14 ሕዳር 2018 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሺንዋ ካብ ዝተሓትመት ዓንቀፅ፡ዜና ዝተወስዱ እዮም። እቲ ዜና ኸም ዚሕብሮ ፖላዊስ ኢትዮጵያ ኣብ ቤጂንግ ኣብ እተገብረ ናይ ድሮን ስልጠና ክሳተፉ ዘርኢዩ እዮም።

ኣብ ርእሲ እዚ’ውን እቶም ፖላዊስ ተኸዲኖምዎ ዘለዉ ድቢዛ እቲ ብ2019 ብሓድሽ ዩኒፎርም እተተክአ ወግዓዊ ድቢዛ ሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ።

ስለዚ ብምኽንያት እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምኽንያታት እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

አስተያየት