ታህሣሥ 9 ፣ 2014

ሓሶት: እዚ ምስሊ ወታደራት ህወሓት ንኸተማ ጋሸና ምቁፅፃሮም ኣየርእን

HAQCHECK

ሓቂቼክ ነቲ ምስሊ ብምምርማር ነቲ ጥቃዕ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊፁ እዩ።

Avatar: Saba Habtu
ሳባ ሀፍቱ

Saba is a junior fact-checker at HaqCheck.

ሓሶት: እዚ ምስሊ ወታደራት ህወሓት ንኸተማ ጋሸና ምቁፅፃሮም ኣየርእን

ብዕለት 03 ታሕሳስ 2014 ሓይሊታት ህወሓት ንመስመር ላሊበላ-ጋሸናን መስመር ኮን-ጋሸናን ከምዝተቖፃፀሩ ምስ ዝገልፅ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓደ ስእሊ ተጠቂዑ ኔሩ። እዚ ዓንቀፅ ክሳዕ ዝሕተም እቲ ጥቃዕ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ግብረመልሲ እንትረክብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚኢቲ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ድማ ተቐባቢሎምዎ ነይሮም። ብተወሳኺ’ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘእዎም ናይ ፌስቡክ ሕታማት ነቲ ምስሊ ጠቂዖምዎ ምንባሮም ተዓዚብና ኢና።

ግናኸ ሓቂቼክ ነቲ ምስሊ ብምምርማር ነቲ ጥቃዕ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊፁ እዩ።

ሓይልታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብንጡፍ ምውጋእ ካብ ዝጅምሩ እነሆ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2021 ሓደ ዓመት ኣቑፂሮም ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021 ፈደራላዊ መንግስቲ ኻብቲ ናይ ሽዑ ክልላዊ ግዝያዊ መንግስቲ ሕቶ ምስ ቀረበሉ ሃንደበታዊ በይናዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ተበግሶ ወሲዱ ንወተሃደራቱ ድማ ካብ መብዛሕትኡ ኸባቢታት ትግራይ ኣውፂኡ እዩ።. ስዒቡ’ውን ሓይልታት ህወሓት ንደቡብ ገፆም ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክግስግሱ ፀኒሖም እዮም። ብ5 ነሓሰ 2021 ኸኣ ሓይልታት ህወሓት ንላሊበላ ሒዞምዋ ተቖፃፂሮምዋ ኔሮም እዮም።

ኣብ ቐረባ እዋን ብዛዕባ ሓድሽ ወታደራዊ መጥቃዕትታት ዝገልፁ ፀብፃባት ይወፁ ኣለዉ። ብ22 ሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ምስ ሓይልታት ህወሓት ዝግበር ዘሎ ውግእ ኣብቲ ግንባራት ዓውደ ውግእ ኮይኑ ከምዝመርሖ ኣፍሊጡ እዩ። ቀፂሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ህወሓት ዝነበሩ ቦታታት ኽልል ኣምሓራ ፈደራላዊ መንግስቲ መሊሱ ከምዝሓዘን ዝገልፁ ፀብፃባት ወፅዮም እዮም። ንኣብነት ኸተማታት ላሊበላ፣ ደሴን ኮምቦልቻን ዝጥቐሳ እየን።

ብዕለት 2 ታሕሳስ 2014 ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምርሑ ሓይልታት ተወሰኽቲ ስትራተጅካውያን ቦታታት ምቑፅፃሮምን ካብ ወልድያ ናብ መቐለ ዝወስድ መገዲ ምሓዞምን ተፀብፂቡ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ ብዕለት 3 ታሕሳስ 2014 ብህወሓት ዝምርሑ ዕጡቓት ንኸተማታት ላሊበላን ጋሸናን ምቑፅፃሮምን ሰማንያ ሽሕ ወታደራት ኢትዮጵያ ምድምሳሶምን ኣፍሊጦም ኔሮም።

ኣብዚ ህሞት’ዚ እዩ እምበኣር እቲ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ዙርያ ጋሸና ንዘለዉ መስመራት ከምዝሓሑ ዝገልፅ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ዝተሓትመ። ይኹን እምበር ሓቂቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስቲ ሕታም ዝተጠቀዐ ምስሊ ናይ ቀደም ምዃኑ ኽፈልጥ ክኢሉ ኢዩ። እዚ ስእሊ እዚ ኣቐዲሙ ብሚያዝያ 2021 ኣብ ፌስቡክን ትዊተርን ዝትሓተመ ምዃኑ’ውን ተረጋጊፁ እዩ።

ስለዚ’ውን ሓቂቼክ ነቲ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

አስተያየት